A book cover with vertical stylized text 'Gue' on the left side, Ethiopian script in the middle, a black-and-white portrait of a young man, and an elephant logo at the bottom right corner, set against a light yellow background.

ምስለይ

ሓድሽ መጐስ

ምስለይ፡ ገጣሚ ካብ 2008 ክሳዕ 2022 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ካብ ዘፍረዮም ግጥምታት ዝተሓረያ 104 ግጥምታት ሒዛ ትርከብ። እዞም ግጥምታት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ኵነታትን ዝተጻሕፉ፡ ነፍስወከፎም ናይ ገዛእ-ርእሶም መበገሲ ዛንታን ፍጻመን ዘሎዎም፡ ዝተፈላለየ ትሕዝቶን ቅርጽን ዝሓዙ፡ ካብ ዓንኬል ትዕዝብታት ገጣሚ ዝመንጨው ተመስጦታት ጥራይ ዘይኮኑ ኣድማሳዊ ምስሊ ዝለበሱ ንገጣሚ ዝመስሉ ግጥምታት እዮም።

ንህይወትን ዓለምን ዝምልከት ትዕዝብትታተይ፡ ሓሳባተይ፡ ስምዒታተይን ፍልስፍናታተይን ብናተይ ስእለ-ኣእምሮን ኲርናዕ-ርእየትን ጠሚተ ኣብ ግጥምታተይ ኣስፊረዮ ኣለኹ። ኣብ ዓውዲ ስነ ጥበብ ብሓፈሻ፡ ኣብ ስነ ጽሑፍ ድማ ብፍላይ፡ ንዘጋጥሙ መሰናኽላት በዲሀ ኣብ ከብሒ መጽሓፍቲ ሃገርና መጽሓፍ ከቐምጥ ምብቃዐይ ድማ ሕጒስ እየ።

"ግጥሚ፡ ንዓለም ኣብ ሚዛን ሰብኣዊ ኽብሪ ኣቐሚጥካ፡ ብመገዲ ስነ ጽሑፋዊ ውህደት፡ ጽባቐ ንምርዳእ ዝግበር ሓላፍነታዊ ፈተነ እዩ።" ኣብ ዝብል ሓሳብ እሰማማዕ እየ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኸም ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ሓድነት ወዘተ ዝኣመሰሉ ወትሩ ኣብ ኣእምሮይ ዝመላለሱ ኣምራት ተሓንጢጦም ጥራይ ከይተርፉን እቲ ውሽጠይ ዝብሎ ሓቂ ብመገዲ መጽሓፈይ ኣቢለ ኸግህዶን ግጥምታተይ ናብ ኣንበብቲ ብሓፈሻ፡ ናብ ፈተውትን ኣስተማቐርትን ግጥሚ ድማ ብፍላይ ከብጽሖም ኣንቂደ።

ከምቲ ገጠምቲ "ግጥሚ፡ ካብ መዓሙቕ ከርሲ ገጣሚኡ ኣብ ዝወጽኣሉ ግዜ ናቱ ሓርነት ይእውጅ'ዩ።" ዝብሉዎ ኣነ’ውን ንግጥምታተይ ጅሆ ብርዐይ ካብ ምዃን ሓራ ወጺኦም፡ ካብን ናብን ኣጽናፍ ከም ዝንቀሳቐሱን ሓሳባቶም ከም ዝገልጹን ኣድማሳውያን ግጥምታት እየ ዝርእዮም። ሕጂ ብመገዲ’ዛ መጽሓፍ’ዚኣ ንምስትምቓር ኣንበብቲ ስለ ዝበቕዑ ኸኣ እምብኣርከስ ግጥምታተይ ናተይ ጥራይ ኣይኮኑን ክብል እፈቱ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2022

    • ብዝሒ ገጻት፤ 170

    • ዓቐን፤ 12 ሰሜ x 19 ሰሜ