ከይትነግሩዋ’ባ ንኣደይ
ጸጋብርሃን ጎይትኦም
እዛ መጽሓፍ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ስደት ዘጋጥም ማሕበራዊ ጸገማት ክትፍትሽ ፈቲና ኣላ። ኣብ’ዛ መጽሓፍ ተጠቓሊሎም ዘለዉ ዛንታታት “ሓቀኛ ፍጻመታት” እዮም። ሓቀኛ ዛንታ ምጽሓፍ ካብ’ቲ ባህ ዝብለኒ ሞያ’ዩ። ድሮ’ኳ ኣብ’ዚ መዳይ ዝዓቕመይ ምብርካት ካብ ዝጅምር ዓሰርተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ሓቀኛ ዛንታ ብምምእራር፡ ሰብ ንኽመሃረሉ፡ ተማሂሩ ድማ ኣብ ህይወቱ ጥንቁቕን ዕዉትን ንክኸውን እጃመይ ንኸበርክት፡ ካብ’ቲ ዘይድቅሰሉ ዕማም’ዩ። ህድእ ኢሎም ዝሓሰቡን ዘመዛዘኑን፡ ኣብ መወዳእታ ዕዉታት ይዀኑ። እቶም ነገራት ብዘይምትንታን ንውሳነ ዝቕልጥፉ ግን፡ ኣብ ታኼላ ይሽመሙ’ሞ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ከም ዝበሃል ኣብ ጣዕሳ ይልለዉ።
ሕብረተሰብ፡ እቶም መግለጺ መንነቱ ዝዀኑ፡ ዘሐብኑዎን ንኹለንትናኡ ዝውድኑን ክብርታት እናጥፈአ እንተ ደኣ ኸይዱ፡ ራኢን መኣዝንን ዝጠፍኦ እካበ-ሰባት እዩ ዝኸውን። እዚ ኵነት ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ድማ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኰነን። ስለ’ዚ፡ ነቲ ጽዑቕ ስደት ናይ ዜጋታትናን ኣብ ሕብረተሰብና ዘኸትሎ ዘሎ ምድዋን ክብርታትን ብምቕላዕ፡ ንፍታሕ ክጸዓር ከም ዘለዎ ንምእማት’ዩ እዛ መጽሓፍ ንኽትዳሎ ዝደረኸ።
-
ዓመተ-ሕትመት፤ 2025
ብዝሒ ገጻት፤ 205
ዓቐን፤ 13.5 ሰሜ x 21.6 ሰሜ
