ኢኪጋይ
ሄክቶር ጋርስያ፡ ፍራንሴስክ ሚራሌስ
ትርጕም፤ ሃብተኣብ ወልደመንቆርዮስ
ኦኪናዋ፡ ኣብ ጃፓን፡ እቲ ብብዝሒ ሺኩዋሳ ዝብሃል ልዑል መጠን ጸረ-ኦክስዳውያን ዘሎዎ ፍረ ዝፈርየላ ቦታ እያ። ምስጢር ነዊሕ ዕድመ ደቂ-ኦጊሚ ንሱዶ ይኸውን፧ ወይስ እቲ ሻሂ ዘዳልዉሉ ኣዝዩ ጽሩይ ማይ፧
ናብቲ ቦታ‘ቲ ኬድና ምስጢር ናይዛ ደሴት’ዚኣ ከነጽንዕ ወሰንና፣ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ቅድመ-መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ከኣ ኣብቲ ቦታ በጻሕና። ኣብኡ ዝቕመጡ ሰባት ምስ ሃይማኖቶም ዝተሓሓዝ ፍሉይ ቋንቋ እዮም ዝዛረቡ። ካሜራታትናን ካልእ ናይ መቕድሒ መሳርሒታትን ኣዋዲድና ስራሕና ክንጅምር መደብና። ኣብታ ቦታ ካብ ዝበጻሕናላ እዋን ድማ እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ጥዑማትን ካብ መጠን ንላዕሊ ሕዉሳትን ምዃኖም ተገንዘብና።
ምስ‘ቶም ዝሸምገሉ ነበርቲ ዓዲ ቃለ-መሕትት ከነካይድ ምስ ጀመርና ካብቲ ክንብሎ ዝጸናሕና ባህርያዊ ፍጥረታት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝሕይል፡ ነቲ ነዊሕን ሕጕስን ህይወቶም ዝመርሕ ፍሉይ ባህታ ኻብ‘ቶም ተቐማጦ ከም ዝውሕዝ ተገንዘብና።
ሕጂ’ውን እዛ ትንግርታዊት ኢኪጋይ።
ግን ብልክዕ እንታይ እያ፧ ብኸመይከ ትረኽባ፧
እቲ ኣዝዩ ምሹው፡ ዳርጋ ዘለዓለማዊ ክብሃል ዝኽእል ነዊሕ ህይወት ኣብ ኦኪናዋ ተደኵኑ ምህላዉ ከይገረመና ኣይተረፈን። እቲ ቦታ‘ቲ ልዕሊ 200,000 ንጹሃን ሰባት ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝጠፍኡሉ ቦታ እዩ። ደቂ-ኦኪናዋ ግን ኣብ ክንዲ ነታ ግዳማዊት ዓለም ዝጸልኡ በቲ ኢቻሪባ ቾደ ዝብሃል መምርሒኦም እዮም ዝምርሑ። እዚ መምርሒ‘ዚ “ንሰብ ፍለጦ ኣይትፍለጦ፡ ከም ሓውኻ ርኣዮ” ዝብል ትርጕም ኣሎዎ።
ሓደ ካብ ምስጢራት ሓጐስ ናይ’ዞም ህዝቢ’ዚኦም ኣካል ሕብረተ-ሰብ ምዃን እዩ። ካብ ብንእሽቶኦም ዩዊማሩ ወይ ድማ ሓቢርካ ምንባር እዮም ዘዘውትሩ፣ ስለዚ ነንሓድሕድካ ምትሕግጋዝ ለሚዶሞ እዮም።
ምሕዝነታት ምሕላው፡ ኣፍኵስካ ምብላዕ፡ እኹል ዕረፍቲ ምርካብን ቀጻሊ ምንቅስቓስ ምዝውታርን ካብ ኣገደስቲ ባእታታት ናይ ጥዕና ዝመልኦ ናብራኦም እዮም። ነዞም ደቂ-ሚእቲ ዕለተ-ልደቶም ምጽንባል ንኸየቋርጹን ንነፍስወከፍ ሓዳሽ መዓልቲ ከስተማቕሩ ዝድርኾም ሃሴተ-ምንባር ግን ኢኪጋዮም እዩ።
ናይዛ መጽሓፍ‘ዚኣ ዕላማ፡ ናይ’ዞም ደቂ-ሚእቲ ጃፓናውያን ምስጢራት ናባኻትኩም ከነብሎን ኢኪጋይኩም ንኽትረኽቡ ዝሕግዝ መገድታት ምቕራብን እዩ።
ምኽንያቱ፡ እቶም ኢኪጋዮም ዝፈልጡ፡ ኣዝዩ ነዊሕን ሓጐስ ዝመልኦን ናብራ ንምንባር ዘድልዮም ኵሉ ነገር ኣሎዎም።
-
ዓመተ-ሕትመት፤ 2024
ብዝሒ ገጻት፤ 140
ዓቐን፤ 12.5 ሰሜ x 19.5 ሰሜ
-
“ኢኪጋይ ዋላ’ውን ሕጂ ሓሲሙካ እንተሎ ናብ መጻኢ ንኽትጥምት … ዝያዳ ዘዕግብ ህይወት ንኽትነብር ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።”
BBC
“ናትካ ኢኪጋይ ንምርካብ እትገብሮ ጕዕዞ፡ ሓደ ኻብ’ቶም ዝዓበዩ ጕዕዞታት ህይወትካ እዩ።”
Forbes
