A book cover with a yellow background featuring a black and white photo of a man in a police or military uniform speaking into a microphone. The cover contains Amharic script and dates in the lower part.

ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም

እምነቱ ተስፋይ

እነሀ’ምበኣር ወላ’ኳ እቲ ታሪኽ ህይወት ናይ ምስናድ ዕማም ብዓቢኡ ንተመራመርቲ ዝግደፍ እንተኾነ፡ ካብዚ ግሩህ ህንጡይነትን ድርኺትን ነቒለ ‘ብዓቕመይ ገለ ተበግሶ ዘይወስድ፡ ብዝብል ድርኺት፡ ንታሪኽ ህይወት ናይቲ ክቡር ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶምን ስድራቤቱን እትድህስስ መጽሓፍ ንኣንበብቲ አቕርብ።

እዛ መጽሓፍ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፋላት ዝተመቕለት እያ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፋላ፡ ንታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ዝድህስስ-ማለት ንግዜ ቍልዕነትን ንእስነትን፡ ኣማን ከም ወተሃደር፡ ኣማን ከም ጀነራል፡ ውዕሎ ኣማን ኣብ ደቡብ ኮርያን ሶማልያን፡ ከምኡ’ውን ጀነራል ኣማንን ስርዓት ደርግን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ፍጻመ-ሕልፈት ናይቲ ጅግና ጀነራል ከመይ ከምዝነበረ ዝገልጽ ምዕራፋት ተጠቓልል።

ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ከኣ፡ ንስድራቤት ኣማን ሚካኤል ዓንዶም ብሓፈሻ፡ ንልዑል ኣበርክቶ ኣሕዋቱ ዮሃንስ፡ መለስን ጽዮንን ዘላሊ ትሕዝቶ ዝሓቖፈት እያ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2025 (ቀዳማይ ሕታም፤ 2022)

    • ብዝሒ ገጻት፤ 187

    • ዓቐን፤ 14 ሰሜ x 21.6 ሰሜ