Image 1 of 1
ተመርዕየኪ
ዋልተር ትሮቢሽ (ትርጕም፤ ባስልዮስ ዘሞ)
እዛ መጽሓፍ ነቶም ሰለስተ መሰረታውያን ኣዕኑድ መርዓ/ሓዳር- ምእሳር ጋማ፡ ፍቕሪ፡ ወሲብ ብተምሳሌት ኣቃውማ ስሉስ ኵርናዕ ኣቕሪባቶም ኣላ። ሓደ ኻብዚኦም እንተ ጐዲሉ፡ እታ ስሉስ ኵርናዕ የላን። መርዓ/ሓዳር ረጊኡ ክቐውም ድማ፡ እዞም ሰለስተ ዓንድታት ሚዛኖምን መስርዖምን ሓልዮም ክኸዱ ኸም ዝግባእ ተረድእ።
ክትምርዓዉ ትሓስቡ እንተ ኣለኹም በየነይቲ ዅርናዕ ክትጅምሩ ትሓስቡ? ብዅርናዕ ፍቕሪ፡ ብዅርናዕ ወሲብ ወይ ብዅርናዕ ምእሳር ጋማ? እዚ ሕቶ’ዚ መሰረታዊ ኢዩ። ንሓዳር በየናይ በሪ ትኣትዎ ሰኣን ምፍላጥ ወይ ከኣ ካብ ዕላላት ወይ ፊልምታት ርእየ ኢልካ ብግጉይ በሪ ምእታው፡ እቲ ሓዳር ዕምሩ ይሓጽር ወይ ከም ኣብ ኵርኳሕ እትጓዓዝ ማኪና ብሓርጐጽጐጽ መዓንጣ ኸብድኻ ይቘስል።