Image 1 of 1
ቈርበት በጊዕ-ለበስ
ጆርጅ ከይ ሳይመን ጁንየር (ትርጕም፤ ያቆብ በራኺ)
ሽሕ’ኳ እቶም ኣቓልቦና ዝስሕቡን፡ ናብ’ዞም ዓይነት ባህርያት ዝመርሖም እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ዘሀንጥዩናን እቶም ቈርበት በጊዕ ዝተኸደኑ ግዙፋት ተዃሉ ጥራይ እንተ ኾኑ፡ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ዝገጥሙና ስቱር-ጐነጻውያን ሰባት፡ እዞም ኣዒንቲ ዓለም ዝስሕቡ ሰባት ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ፡ ሰላሕታውያን፡ ተሞኽልዮም ብሰንጢ ዝባንካ ዝወግኡ፡ ጠበርቲ፡ ሽርሐኛታት፣ ምናልባት መሳርሕትና፡ መሻርኽትና፡ ዋላ’ውን መናብርትና ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት እዮም። ንህይወት ከኸርፍሑ ድማ እኹል ዘይጉዱል ኣኻእሎ ኣለዎም። ብልክዕ ንምርድኦም ዘሸግሩ፡ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ብኸመይ ንገጥሞም ዘደናግሩ ብምዃኖም ኣብ ህይወትና ሓዘን ከስፍኑ ይኽእሉ።