ናይ ሃብቲ ስነ-ፍልጠት

€17.00
Sold Out

ዋለስ ዲ ዎትልስ (ትርጕም፤ ብሩኽ ዳግማዊ)

እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኸመይ ጌርካ ነቲ ኻብ ምህሮታት ሂንዱ ዝተኣከበ ምስጢራት ተረዲእካ፡ ንሓይሊ ኣድማስ ብምቍጽጻር ንሕጊ ስሕበት ተጠቒምካ ሃብቲ ኸተኻዕብት ትኽእል እያ ትምህር።

እዛ መጽሓፍ ቅድሚ 115 ዓመታት ዝተሓትመት ንኸም ብዓል ናፖልዮን ሂል ዝኣመሰሉ ጸሓፍትን ሓያሎ ሰብ-ሃብትን ዝጸለወት ነባሪት መጽሓፍ እያ። ኣብ ርእሲኡ ጸሓፊት መጽሓፍ ‘እቲ ምስጢር’ ሮንዳ ቢርን እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ሓንቲ ኻብ’ተን ንስራሓታ ዝጸለወት መጽሓፍ ምዃና ተዛሪባ ነይራ። ኣብ ናይ ኦፕራ ዊንፍሪ መርበብ-ሓበሬታ ድማ ኸምዚ ኢላ ገሊጻ ነይራ፤ “ገለ ነገር ኣብ ውሽጠይ ነቲ ገጻት ሓደ ድሕሪ ሓደ ኽግንጽሎ ይድርኸኒ ነይሩ። ክሳዕ ሕጂ’ውን እና’ንበብኩ ንብዓተይ ኣብቲ ገጻት ኽነጥብ ይዝከረኒ። እቲ ምስጢር ተራእዩኒ። ኣብ ልበይ ሃልሃልታ ተላዒሉ። ካብኡ ጀሚሩ ድማ ነዚ ምስጢር’ዚ ምስ ምሉእ ዓለም ክካፈሎ ኣሎኒ ዝብል ሓሳብ ሒዙኒ።”