መወጽ ለይቲ
መሓሪ ዑቕባሚካኤል (ጠዊል)
እዚ መበቈላዊ ባህላዊ ትሕዝቶታት፡ ንባህላዊ ውርሻ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ እውን፡ ቀሊል ዘይኰነ ኣበርክቶ ኣለዎ። ገሊኦም ብዕምቘት፡ ዝተረፉ ንንባብ ብዝጥዕም ዝቐረቡ ስለዝዀኑ ኸኣ፡ መሀብተሚ ባህላዊ ውርሻ ኣብ ምዃን፡ ንቐጻሊ መጽናዕቲ መንቀሊ ባይታ ኣብ ምፍጣር፡ ቃላትን ኣበሃህላን ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምስሳን፡ ብሓፈሻ ልምድታት ወይ ባህሊ ትግርኛ ኣብ ምልላይ ገዚፍ እጃም ዘበርክቱ እዮም። ባህሊ ብሄራትና ተጸኒዑ ናብ ንባብ እንተ በቒዑ፡ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕን ዓሚቚን፡ ክንድ’ቲ እንሓስቦ ወሰኽ ካልኦት ባህልታት ዘይደሊ ምዃኑን ብዝግባእ ከንጸባርቑ እዮም። ዋላ’ኳ ብንኡስ መጠን እንተዀነ፡ ነቲ ባህላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ውሑዳት’ዮም ዝብል እንጒታ ኣብ ምቅላል እውን፡ ተራ ኽህልዎም’ዩ። ናይ ምንባብ ልምዲ ኸኣ’ባ የዛይዱ ይዀኑ።
ኣብዚ መጽሓፍ ዘለው ትሕዝቶታት፡ ብብዙሕ ሸነኾም እንተ ተራእዮም ብዙሕ ርእየት ክርከቦም ከም ዝኽእል ልዕል ኢለ ኣንፊተልኩም ኣለኹ። ብዓንደ ርእሱ ግና፡ እዞም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ትግርኛ ነይሮምን ኣለውን ዝበሃሉ ዝተፈላለዩ ልምድታት ረቂቕ ባህላዊ ሃብቲ ንምዕቃብ ዕላማ ዝገበሩ ድኣ’ምበር፡ ንኻልኦት ነጥብታት ልዑል ትዅረት ኣይሃቡን፡፡ ንኣብነት፡ ኣብዚ መጽሓፍ ካብ ዘለዉ ትሕዝቶታት ዋላ’ኳ ልምድታት ናይ ሕሉፍን ህልውን ሕብረተ-ሰብ እንተዀኑ፡ ንዝውታረኦምን ኣገዳስነቶምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ መጽሓፍ ክህልው ኣገዳሲ ድዩ ኣይፋሉን፧ ጉድኣቶምዶ ረብሓኦም ይዓዝዝ ነይሩ፧ ነየናይ ክሊ ዕድመ ማእከል ዝገበሩ እዮም፧ እተመርጹ ቓላት ይዅኑ ኣገላልጻ ነፍሲ-ወከፍ እተላዕሉ ትሕዝቶታት፡ ንብዝሓት ኣንባቢ ኣብ ግምት ዘእተው ድዮም፧ ጽሓፋይ፡ ንዓቕሚን ድላይን ኣንባቢ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝጸሓፎም ድዮም፧ ኵሎም ትሕዝቶታት እዚ መጽሓፍ’ዚ ንኣገባብ መጽናዕቲ ዘማልኡ ድዮም፧ ወዘተ ንዝብሉ ነጥብታት ተኣንጒቶም እተዓጥቁ ኣይኰኑን። ከመዮ ንጐርዞ ዓዲ ዝተባህለ እንተ ተረኽቦም ኣጽንዓይ ዝጸልኦ ኣይኰነን። ኣካ! እቲ ንጐርዞ ዓዲ ዝበሃልስ ገሊኣትኩም እውን ኣይትፈልጥዎን ትዀኑ። 'እዛ ጐርዞ ትሃሉ፡ ኣይትስእንን ደባሉ' እዩ ዝተባህለ። እዚ ትሕዝቶታት እውን፡ ብዙሕ ከማልኦ ዝግባእ ነገር እናጐደሎ እውን ተንብብዎ ትዀኑ ኢኹም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣንቢብኩም እትህብዎ ሃናጺ ርእይቶን ነቐፌታን፡ ኣብ ምህብታሙን ምውርጻጹን ዓቢ ግደ ስለ ዘለዎ፡ ንትዕበ ትንኣስ ኣበርክቶኹም ብኽፉት ልቢ ኸም ዝቕበሎ ኸረጋግጸልኩም እፈቱ።
-
ዓመተ-ሕትመት፤ 2024
ብዝሒ ገጻት፤ 307
ዓቐን፤ 14.8 ሰሜ x 21 ሰሜ
-
“እዞም ወግዕታትን ያታታትን’ዚኦም ንሓይለ-ፍልጠትን ብልሕን ሕብረተ-ሰብና ዘንጸባርቑ ብዝሐ-ዓውደ ፍልጠታት ኣካቲቶም ኣለዉ። ኣብዚ ጽዋታት’ዚ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ፡ ኣከባብያዊ፡ ስነ-ሰባዊ ወዘተ ዝምልከቱ፡ ትኵራት ኣዒንቲ ዝጠልቡ፡ ዘገርሙ ፍልጠታትን ክእለታትን ሕብረተ-ሰብ ተሰኽሲኾም ኣለዉ። እዚ ጽዋታት’ዚ ምስ ተቛደስና፡ ነቶም “ሃገረ-ሰብ”፡ “ድሑራት” ወዘተ ዝብሉ፡ ነቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ዝነበረን ዘሎን ቀለም ዘይቀመሰ ኽፋል ሕብረተ-ሰብና ዝወሃቡ ቕጽላት፡ ዳግመ-ግምት ንኽንገበረሎም ሕልናና ከም ዝዅሕኵሓና ጥርጥር የብለይን።”
ባስልዮስ ዘሞ
“ባህሊ ንናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ፍልጠት፡ ልቦና፡ ሕጊ፡ ስርዓት፡ ኣነባብራ፡ ንብረት፡ ምትእስሳራት፡ እምነት፡ ዕድላት፡ ብድሆታት ወዘተ ዘንጸባርቕ ሰፊሕ ዓውዲ ኸምኡ’ውን ሓደ ውልቀ-ሰብ ብመሰረት እቲ ዝዓበየሉን ዝተሃነጸሉን ባህሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ውልቃዊ መንነት ዝገልጸሉ ኣገባብ እዩ። እወታውያን ትሕዝቶታት ባህሊ፡ ኣብ ህንጸት ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ ዓብዪን ቀላስን ኣስተዋጽኦ’ዩ ዘለዎም። ኣብ ዝኸድካ ኬድካ ብባህልኻ ማሚቚካ ትነብር እንተ ዄንካ፡ ዝህበካ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሰላምን ርግኣትን መዳርግቲ የብሉን። ክቡር ብጻይ መሓሪ ዑቕባሚካኤል (ጠዊል) ንነዊሕ ግዜ ዝጸዓርካሉን ብሓያል ዲሲፕሊን ዝኣከብካዮን ሃብቲ ባህልና፡ ብመጽሓፍ ሰኒድካ ናብ ነበብቲ ስለ ዘብጻሕካዮ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን አቕርበልካ።
ዶር/ ስቲፋኖስ ሃይለ (ምሁር ጥዕና ኣእምሮ)
