ምዕራፍ 1
ዝባን ዕቝር ዓቕሚ
ምዕራፍ 2
ኣብ ውጽኢት ዝተሰረተ ልምድታት
ኣብ እንታይነት ዝተሰረተ ልምድታት
ናይ ምልዋጥ ባህርያት ሰለስተ ቐጸላታት
ምዕራፍ 3
ዓንኬል ልምድታት
ምዕራፍ 5
ምድርዳር ልምድታት
ስእሊ ቝ. 5፤ ምድርዳር ልምድታት፡ ሓድሽ ባህሪኻ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም ባህሪኻ ብምድርዳር፡ ኣብ ሓድሽ ልምድኻ ዝያዳ ናይ ምጽናዕ ተኽእሎ ዝህብ ሜላ እዩ። እዚ መስርሕ’ዚ ንብዙሓት ልምድታት ኣብ ሓደ ናይ ልምድታት ሰንሰለት ይኣስሮም፣ ነፍስወከፍ ልምዲ ድማ ነቲ ድሕሪኡ ዘሎ ልምዲ ኸም ቀስቃሲ የገልግሎ።
ምዕራፍ 6
ስእሊ ቝ. 6፤ እዘን ስእልታት’ዚአን፡ ናይቲ ሕክምና መመገቢ ኽፍሊ በቶም ክኢላታት ቅድሚ ምትዕርራዩ (ጸጋም) ከምኡ’ውን ድሕሪ ምትዕርራዩ (የማን) ዝነበሮ ኣሰራርዓ የርእያ። እቲ ዝጸለመ ሳናዱቕ ዕሹግ ማይ ዝርከበሉ ቦታታት ይውክል። ኣብቲ ኣከባቢ (መመገቢ ኽፍሊ) ዝነበረ ብዝሒ ማይ ስለ ዝዛየደ ናይ ተጠቀምቲ ባህርያት ብዘይ ዝኾነ ተወሳኺ ድርኺት ተለዊጡ።
ቅድሚ
ድሕሪ
ምዕራፍ 9
ምስ ማሕበራዊ ልምድታት ምስምማዕ
ስእሊ ቝ. 7፤ እተን ሰሎሞን ኣሽ ኣብ ምርምሩ ዝተጠቐመለን መስመራት ነዚኣተን እየን ዝመስላ። እታ ኣብ ቀዳመይቲ ወረቐት ዘላ መስመር (ጸጋም)፡ ማዕረ’ታ ኣብ ካልኣይቲ ወረቐት ዘላ መስመር “ሐ” ምዃና ርኡይ እዩ። እቶም ተዋሳእቲ ኣይኮነትን ምስ በሉ ግን እቶም ተጸናዕቲ ኣብ ክንዲ ንገዛእ ኣዒንቶም ዝኣምኑ ምስ ሰቦም ክኾኑ እዮም መሪጾም።
ምዕራፍ 11
መስመር ልምዲ
ስእሊ ቝ. 8፤ ኣብ መጀመርታ (ነጥቢ ሀ)፡ ሓደ ልምዲ ንኽህነጽ ብዙሕ ጻዕርን ኣተኵሮን እዩ ዝሓትት። ድሕሪ ሒደት ምድግጋም (ነጥቢ ለ) እናቐለለ ይኸይድ፣ ገለ ንቝሕ ኣድህቦ ግን ይሓትት እዩ። እኹል ምድግጋም እንተ ተገይሩ ግን (ነጥቢ ሐ) እቲ ልምዲ ኻብ ንቝሕ ናብ ባዕለ-ፈጻሚ ይልወጥ። ካብዚ ደረት’ዚ ንደሓር - መስመር ልምዲ - እቲ ባህሪ’ቲ ኸይሓሰብካ ኽግበር ይጅመር። ሓድሽ ልምዲ ተሃኒጹ።
ምዕራፍ 12
ቅርጺ ባህርያት ደቅሰብ
ስእሊ ቝ. 9፤ ናይ ኤውሮጳን እስያን ኣንፈት ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ እዩ፣ ናይ ኣፍሪቃን ኣመሪካታትን ድማ ኻብ ሰሜን ናብ ደቡብ እዩ። ኣብ’ተን ምብራቕ-ምዕራብ ዝኣንፈተን ኣህጕራት ተመሳሳሊ ኽሊማ ስለ ዘሎ ኣብ’ዘን ኣህጕራት’ዚአን ሕርሻ ብቕልጡፍ ከስፋሕፍሕ ክኢሉ። እቶም ኣብ ሰሜን-ደቡብ ዝኣንፈተን ኣህጕራት ዝነብሩ ሓረስቶት ግን ብሰንኪ ዝገጠሞም ኣከባብያዊ መኻልፍ ናይ ሕርሻ ባህርያቶም ንኣማኢት ወይ ኣሽሓት ዓመታት ተዓንቂጹ ተሪፉ።
ምዕራፍ 19
ኣብ 1945 ዝተወልደ ስቲቭ ማርቲን፡ ኣመሪካዊ ኮመዲየኛ፡ ጸሓፍን ኣፍራይን ኮይኑ ኣብ ዓውድታት ኮመዲ፡ ፊልም፡ ተሌቪዥን፡ ብሮድወይን ስነ-ጽሑፍን ዝተፈላለየ ዓወታት ኣመዝጊቡ ይርከብ።
ሕጊ ምእሙእ ጸገም
ስእሊ ቝ. 10፤ ዝለዓለ ድርኺት ትረኽበሉ ዅነታት ኣንጻር ክትቈጻጸሮ ትኽእል ክብደት ዘሎዎ ጸገም ክትገጥም ከለኻ እዩ።
ምዕራፍ 20
ሓደ ልምዲ ምምላኽ
ሓደ ዓውዲ ምምላኽ
ስእሊ ቝ. 11፤ ንሓደ ነገር ንምምላኽ፡ ምዕባለታት ኣብ ርእሲ ርእሲ ኽትጽፍጽፍ ኣሎካ። ሓድሽ ደረጃ ብቕዓት ክሳዕ ዝብጻሕን ዝለዓለ ደረጃ ኽእለታት ክሳዕ ዝምለኽን ነፍስወከፍ ልምዲ ኣብ ርእሲ ኻልእ ልምዲ እናተደረበት ትኸይድ።
መቝሽሽ
ዓንኬል ልምድታት
ናይ ጠላዕ ማሺን (slot machine)፡ ሳንቲም፣ ናይ ወረቐት ገንዘብ ወይ ዝኾነ ናይቲ ዘጻውተካ ትካል መለለዪ ብምእታው ክትጻወታ ትኽእል መጣልዒት እያ።
