Book cover titled 'The Four Agreements' in Amharic, featuring a woman in a yellow dress holding a rainbow-colored umbrella in a grassy field at sunset.

ኣርባዕተ ስምምዓት

ዶን ሚጌል ሩዊዝ

ትርጕም፤ ጎይትኦም ሳህለ

ሩዊዝ፡ ናይ ቶልቴክ ኣፈ-ታሪኻትን ስነ-ፍልጠታዊ ኣመለኻኽታን ብምንጻር፡ ነቲ ጥንታዊ ጥበብ ምስ ዘመናዊ ስነ-ግኡዝን ተግባራዊ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባን ብምውህሃድ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዝርከቡ በሃግቲ ሓቅን ውልቃዊ ቅኑዕነትን ሓድሽ ዓይነት ፍልስፍና ክፈጥረሎም ክኢሉ እዩ።

እዛ ኣርባዕተ ስምምዓት ዘርእስታ ህብብቲ መጽሓፍ'ዚኣ ብዛዕባ ናብ ነባሪ ውልቃዊ ለውጢ ዘብጽሑ ተግባራዊ ስጒምትታት እያ እትትንትን። ካብቲ ዝተሓትመትሉ ዓመተ 1997 ጀሚራ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ልዕሊ 12 ሚልዮን ቅዳሓት ተሸይጣ ትርከብ። ኣብ ናይ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ዝርዝር ቀዳሞት ተሸያጦ፡ ንዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐት ድማ እያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ዛጊት ናብ 52 ቋንቋታት ተተርጒማ ትርከብ።

ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ፡ እቲ ምስጢራዊ ናይ ቶልቴክ ውህሉል ፍልጠት፡ ብዝተፈላለዩ ሓረግ ወለዶ ናጒላት ብስዉር ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ጸኒሑ እዩ። እቲ ጥበብ ንብዙሕ ኣማኢት ዓመታት ብምስጢር ተሰዊሩ ዝነበረ እንተ ኾነ'ውን፣ ጽኑዕ ጥበብ ናብ ደቅሰብ ምምላስ ኣድላዪ ዝኾነሉ ግዜ ዳግማይ ከም ዝግለጽ ጥንታዊ ትንቢታት ይንበዩ ነበሩ። ሕጂ፡ 'ሓላዊ ንስሪ (Eagle Knight)' ካብ ዝበሃል ሓረግ ወለዶ ዝመጽአ ናጉዋል ዶን ሚጌል ሩዊዝ፡ ናይ ቶልቴክ ስዉር ትምህርቲ ከካፍለና ተቐቢኡ ኣሎ።

ፍልጠት ቶልቴክ፣ ከም ኵሎም'ቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ቅዱሳን ምስጢራዊ ኣስተምህሮታት፡ ካብ ኣገዳሲ ሓቂ ዝፍጠር እዩ። ሃይማኖት'ኳ እንተ ዘይኮነ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝምህሩ መንፈሳውያን ሊቃውንቲ የኽብር። ንጒዳይ መንፈስ ዝቕበል'ኳ እንተ ኾነ፣ እቲ ቀንዲ መለለዪኡ፡ ዝተፈለየ “መገዲ ህይወት” ምዃኑ'ዩ። ካብ ካልኦት ዝፍለየሉ ድማ፡ ሓጐስን ፍቕርን ኣብ ዝኾነ ግዜ ክብጽሑ ዝኽእሉ ምዃኖም ምእማኑ እዩ።