Book cover featuring torn parchment paper with text in a foreign language and a dark background with blue fabric.

ኣብ ኣክራ ዝተረኽበ ብራና

ፓውሎ ኮልዮ

ትርጕም፤ ፍጹምብርሃን ዘርእስላሴ

ኣብ 1974 ሓደ እንግሊዛዊ ስነ-ጥንተኛ ኣብ ኣክራ ሓደ ብራና ረኸበ፣ እቲ ብራና፡ ዕድመኡ ንምግምጋም ምርመራ ምስ ተገብረሉ ኸኣ ናይ ዓመተ 1307 ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ብራና ብዓረብኛ፡ እብራይስጥን ላቲንን ዝተጻሕፈ ኾይኑ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 1099 ኣብ መንጐ ህዝቢ እየሩሳሌምን እቲ ቁብጢ ዝተባህለ ለባምን ዝተኻየደ ርክብ ይገልጽ። እታ ዓመት’ቲኣ ኸኣ እታ ኣይሁዳውያን፡ ክርስትያንን ኣስላምን ብስኒት ዝነብሩላ ዝነበሩ ኸተማ ብሰራዊት መስቀላውያን ንኽትውረር እትዳለወሉ ዝነበረት ዓመት እያ።

ኣብዛ ማራኺት ኖቨል’ዚኣ ህቡብ ጸሓፊ ፓውሎ ኮልዮ እታ ኣብ ድርኵዂት ብርሰት ዝነበረት ከተማ ዝስምዓ ዝነበረ ጓሂ ብግሩም ኣገባብ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። እቶም ብፍርሒ ዝተዋሕጡ ህዝቢ ነቲ ቁብጢ ምኽርን ምጽንናዕን ሃሪፎም ይሓቱዎ፣ ንሱ ድማ ብዛዕባ’ቲ ንመዓልታዊ ህይወትና ዝቐርጽ መትከላትን ስለምንታይ ንዕንወት እየሩሳሌም ሓሊፎም ንወለዶታት ከም ዝነብሩን ይነግሮም። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ንፍቕሪ፡ እምነት፡ ጾታዊ ርክብ፡ ዕርክነት፡ ጽባቐ፡ እሙንነት፡ ዓወትን ሕብረትን ከምኡ’ውን ንምንጭታት ፍርሕን ሻቕሎትን ሰባት ብዝምልከቱ ምሳሌታት ዝቘመት እያ።

    • ዓመተ-ሕትመት፤ 2023

    • ብዝሒ ገጻት፤ 112

    • ዓቐን፤ 12 ሰሜ x 17 ሰሜ

  • “ኣጸሓሕፋኡ ንኣንበብቲ ናብ ገዛእ-ርእሶም መሪሑ ዝወስድ ገለ ጸዓት ዘሎዎ መገዲ እዩ።”

    Le Figaro

    “ኮልዮ፡ ሕጂ’ውን በሊሕን ረቂቕን ጸሓፊ ምዃኑ ኣመስኪሩ።”

    The New York Journal of Books