እምነቱ ተስፋይ፡ ዕዉት ‘ስልማት ሓርነት ምግላጽ ሓሳብ ፐን ኤርትራ 2026’ ኰይኑ ተሰይሙ
ኣቶ እምነቱ ተስፋይ፡ በቲ ብናይ ታሪኽ ህይወት መጻሕፍቱ ኣቢሉ ኣብ ምስናድን ምዕቃብን ታሪኽ ኤርትራ ዝገበሮ ዓቢ ኣበርክቶ፡ ተዓዋቲ PEN Eritrea’s Freedom of Expression Award 2026 ኰይኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣቶ እምነቱ ናይ ከም ብዓል ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም፡ ኪዳነ ክፍሉ፡ ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም፡ ማርታ መብራህቱን (እዘን ክልተ ዳሕረዎት ኣብ ኣሕተምቲ ደርማስ ዝተሓትማ) ካልኦትን ናይ ታሪኽ ህይወት መጻሕፍቲ ኸም ዘሕተመ ይፍለጥ።
ኣብ 2019 ዝፈለመ 'ስልማት ሓርነት ምግላጽ ሓሳብ'፡ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ስነ-ጽሑፍን ሓርነት ምግላጽ ሓሳብን ጕሉሕ ኣበርክቶ ንዝገበሩ፡ ብፐን ኤርትራ ዝዕደል ስልማት እዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዜና ኣብዚ ክትረኽቡዎ ይከኣል እዩ።
(ስእሊ፤ መርበብ ሓበሬታ PEN Eritrea)
