7 ሕቶታት ንደረስትና - ፈንቅል ዘርኣይ

ፈንቅል ዘርኣይ፡ 'መኖም'ዩ ተበዲሉ - 1'፡ 'ዓስቢ እምነት ጭካነዶ' ከምኡ'ውን 'መኖም'ዩ ተበዲሉ - 2' ዘርእስተን ልብወለድ መጻሕፍቲ ዘሕተመ ደራሲ እዩ።

ኣብ ንእስነትካ እትፈትዋ ዝነበርካ መጻሕፍቲ ኣየነይቲ እያ፧

ኣብ ንእስነተይ ኣዝየ ዝፈትዋ ዝነበርኩ መጽሓፍ እታ ብሙሳ ኣሮን ዝተተርጐመት ‘ሮቢንሶን ክሩሶ’ ዘርእስታ መጽሓፍ እያ።

ካብ መጻሕፍትኻ እትፈትዋ መጽሓፍ ኣየነይቲ እያ፧ ንኣ ንኽትጽሕፍ ዝደረኸካ እንታይ እዩ፧

ንኹለን እፈትወን እየ፣ ነናተን ጽባቐ ኣሎወን። ግድን ክመርጽ እንተ ኾይነ ግን 'መኖም'ዩ ተበዲሉ - 1' ምበልኩ። ንኣ ዝመርጽኩላ ምኽንያት ከኣ ምስ ኣንበብቲ ኣላልያ ናይ ምጽሓፍ ባብ ምርሓዋ እዩ። ንህይወት ሳዋ እተዘንቱ፡ ፍቕራዊት ልብወለድ ከበርክት ኣሎኒ ብምባል ከኣ እየ ጽሒፈያ።

ነዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኽትጽሕፍ ክንደይ ወሲዱልካ፧

ሓምሽተ ዓመት። ዘጋጠመኒ መሰናኽላት ብቓላት ክገልጾ አጸግመኒ እዩ። እቲ እዋን'ቲ ዓቕለይ ኣጽቢበ፡ ሞራለይ ባይታ ዘቢጡ ክሳብ ተስፋ ምቚራጽ በጺሐ ፡ ምጽሓፍ ከቋርጸሉ ዝሓሰብኩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ወላዲተይ ግን ተስፋይ ኣበሪኻ ዳግማይ ኣበርቲዐ ከም ዝሰርሕ ገይራትኒ።

በዚ ኣጋጣሚ ንኣደይ ከመስግና እደሊ።

ኣብ መስርሕ ምጽሓፍ መጻሕፍትኻ ዝሓለፍካዮ ዝኸበደ መድረኽ ኣየናይ እዩ ትብል፧

እቲ ዝኸበደ ስራሐይ ኣብ ቀዳመይቲ መጽሓፈይ እዩ ነይሩ። እኹል ኣፍልጦ ወይ ተመክሮ ኣይነበረንን። ምስ ግዜ ግን ትምህርቲ ስነ-ጽሑፍ ወሲደ፣ ንመጽሓፈይ ብብዙሓት ሰባት ከም እትእረም ብምግባር ኣብ ምምሕያሻ ተጸሚደ። ነዚ ዝኸበደ መድረኽ'ዚ ሰጊረ ኸኣ ሓንቲ ተዘካሪት መጽሓፍ ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪበ።

ኣውራ እትጽሕፈሉ ናይ መዓልቲ እዋን መኣስ እዩ፧

ለይቲ፤ መሬት ብጸላም ተወሪራ ጺም-ጺም ምስ በለትን ሰባት ምስ ደቀሱን። ሽዑ ካብ ኣእምሮይ ሓሳባት አፈልፍል፣ ብርዐይ ድማ ቐለማ ኣንዚዓ ክትውርቕ ትጅምር።

ምጽሓፍ ንኣኻ እንታይ እዩ፧ ኣህላኺ፧ መበራትዒ፧ ወይስ ክልቲኡ፧

ክልቲኡ ኣይኮነን። ንኣይ ምጽሓፍ፡ ተሃነይ ዘውጽኣሉ፡ ስምዒተይ ዘፋዂሰሉ፡ ክንበብ ኣሎዎ ዝበልኩዎ መልእኽቲ ዘተሓላልፈሉ ንጥፈት እዩ።

ንሓንቲ መጽሓፍ ምስ ዛዘምካ ትጽንብልዶ፧ ብኸመይ፧

እወ፡፡ ነቲ ሓሳባተይ ኣፍሲሱ ብዓወት ዘወድኣኒ ኣምላኽ ናብ ቤተክርስትያን ብምኻድ አመስግኖ።

ጥሪ 2023

Previous
Previous

ቃለ-መሕትት ዮናታን ብርሃነ ምስ ሳሙኤል ዑቕባይ

Next
Next

7 ሕቶታት ንደረስትና - ዕቝባገብርኤል ጴጥሮስ