7 ሕቶታት ንደረስትና - ሓድሽ መጐስ
ሓድሽ መጐስ፡ ምስለይ ዘርእስታ ናይ እኩብ ግጥምታት መጽሓፍ ኣብ ኣሕተምቲ ደርማስ ዘሕተመ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣጋጣሚታትን ግጥምታቱ ዘቕረበ ገጣሚ እዩ።
ንህይወትካ ዝቐየራ መጻሕፍቲ ኣየኖት እየን፧
ካብቲ ምንባብ ዝጀመርኩሉ ግዜ ጀሚረ ናይ ግጥምን ናይ ስነ-ልቦናን መጻሕፍቲ ብመጠኑ ድማ ልብወለዳውን ፍልስፍናውን መጻሕፍቲ ምንባብ እፈቱ እየ። ዋላ'ኳ ኽሳዕ ሕጂ ኣንቢበየን ዘለኹ ናይ ስነ-ልቦና መጻሕፍቲ ብዙሓት እንተ ዘይኮና፡ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ኣበርክቶ ገይረን እየን ኢለ ኽዛረብ ግን እደፍር። ናይ ስነ-ልቦና ይኹኑ ንውልቃዊ ዕብየት ዝሕግዙ መጻሕፍቲ ናይ መጻኢ ኣንፈት ጒዕዞ ህይወተይ ባዕለይ ኣማእዚነ፡ ደረት ኣፍልጦይን ርድኢተይን ዳግማይ ቃንየ፡ ኣብ ህይወት ዝጓዓዘሉ መገዲ ኽርኢ ዘኽኣሉኒ ዓበይቲ መምህራን ህይወት እዮም። ከምዚ ኽብል ከለኹ ግን እዞም መጻሕፍቲ'ዚኦም ንነገራት ናብ ረብሓይ ክቕይርን ንነብሰይ ክመልኽን ከም ዘብቅዑኒ ኽምስክር'ምበር ንገለ ካብኣቶም ፈልየ "እዞም መጻሕፍቲ’ዚኦም እዮም ንህይወተይ ዝቐየሩ፡" ክብል ኣይደልን እየ። ዳርጋ ኹሎም ናይ ስነ-ልቦና መጻሕፍቲ ኣነቓቓሕቲ፡ ንዕብየት ዝድርኹን ንህይወት ሰባት ብግብሪ ዝቕይሩን መጻሕፍቲ'ምበር ተነጻጸልትን ተበላለጽትን ኣይኮኑን፡።
ጸሓፋይ ንኽትከውን ዝደረኹኻ መጻሕፍቲ ወይ ጸሓፍቲ ኣለዉዶ፧
ብንእሽቶየይ ኣብ ናይ መዕጸዊ ቤት ትምህርቲ ጽንብላት ኮነ ሃገራውያን በዓላት ኣብ ዝቐርቡ ዝነበሩ ናይ ህጻናት መዛሙርን ካልኦት መደባትን፡ ድፍረትን ሓያል ናይ ምሓዝ ክእለትን ስለ ዝነበረኒ እዩ'መስለኒ መምህራነይ መራሒ መደብ እዮም ዝገብሩኒ ነይሮም። ኣብቲ እዋን'ቲ ነቶም ብሃውሪ ወይ ብዘይርድኣኒ ስምዒት ጥራይ ዝጽሕፎም ዝነበርኩ ግጥምታት ኣብ መድረኽ ወጺአ ከንብቦም ከለኹ "ዓሽ!" ክብሃልን ክስለምን ከለኹ ቀጻሊ ጽሓፍ ጽሓፍ ይመጽኣኒ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣበባ እትብሃል ደራሲት ሓብቲ ኣላትኒ። ኣብ መወዳእታ 1990ታት ምስ'ዞም ሕጂ ዓበይቲ ገጠምቲ ሃገርና ኾይኖም ዘለው ገጠምቲ ብግጥምታታ ኣብ ሬድዮን ጋዜጣን ትሳተፍ ምንባራ እዝክር። ኣዝያ ንፍዕቲ ገጣሚት እያ ነይራ። ኣበባ ሓብተይ ስሕት ኢላ ናብቲ ሽዑ "ጋብላ ስነ-ጥበብ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ደቀምሓረ መኣዲ ስነ-ጥበብ ትወስደኒ ነይራ። ኣብኡ፡ ግጥምታት ከንብቡ፣ ክነቓቐፉን ሓሳብ ክወሃሃቡን፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕድሕዶም ኮነ ኣብ ጥበብ ዝነበሮም ፍቕሪ ምስ ረኣኹ፡ ከም ኦም ንክኸውን ዝሓደረኒ ተምሳጥን ቅንእን ፍሉይ እዩ ነይሩ። ንስነ-ጥበባዊ ስምዒታትካ ዝርድኣልካ ኣባል ስድራቤት ምርካብ ድማ ጸጋ እዩ። ኣበባ ሓብተይ ጥበብን ስምዒታቱን ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝርድኣ እቲ ኽሳዕ ሕጂ'ውን ወትሩ እትገብረለይ ምትብባዕን ሞራላዊ ድጋፍን ንኽጽሕፍ ድርኺት ወይ ጽልዋ ዝፈጠረለይ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ።
ኣብ ርእሲኡ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን መድረኽን ዝረኸብኩዎም ብሉጻት ናይ ጥበብ መምህራነይ፡ መሳርሕተይ፡ ኣዕሩኸይ፡ መሓዙተይ ከም ኡ'ውን ብምሉኦም ዓበይትን ንኣሽቱን ደረስቲ ዓቢ ግደ ነይሩዎም። ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ኣብቲ ሰንበት ሰንበት ዝካየድ "ኩስራ" (መኣዲ ስነ-ጥበብ ዓሰብ) ዝነበሩ መምህራነይን መሳቱየይ ገጠምትን ክንዮ ምስ ኣምራት ግጥሚ ምልላይ፡ ግጥሚ ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ፍቕሪ ከም ዝሓድረኒ ኣብ ምግባር ልዑል ኣስተዋጽኦን ኣበርክቶን ገይሮም እዮም። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ንኹሎም ምስጋናይ ይብጽሓዮም።
ንሓንቲ መጽሓፍ ምስ ዛዘምካ ትጽንብልዶ፧
ከምዚ ሎሚ ገሌና ንዕለተ-ልደትና ዳርጋ ኸም መርዓና ጌርና እንጽንብሎ ዘለና ደኣ ክኸውን የብሉን'ምበር መጽሓፍ ምስ ኣሕተምካ ከተመርቓን ሓጐስካ ክትጽንብልን ዝጽላእ ኣይኮነን። እንተ ሓሰብካዮ'ውን ንዓመታት ዝጸዓርካሉ ስራሕ ናይ መወዳእታ መልክዑ ሒዙ፡ ናትካ ጥራይ ዝነበረ ኣድማሳውን ናይ ብዙሓትን ኮይኑ ካብ ምርኣይ ዝዓቢ ተድላ የሎን። ስለዚ ኸምቲ ቈልዓ ወሊድካ ጥምቀቱ፡ ዓመቱ ወዘተ እናበልካ መዓልቱ እትጽንብለሉ እቲ ኣብ መጽሓፍካ ዘሎ ዛንታ’ውን ብዙሕ ውረድ ደይብ ኣሕሊፉ፡ ብሓያል ጻዕርን ቃንዛ ሕርስን ደራሲ ዝተወልደ ውላድ ብምዃኑ ምጽንባሉ ጸገም ዘሎዎ ኾይኑ ኣይስምዓንን። በቲ ሓደ ሸነኹ ድማ መጽሓፍ ምምራቕ ማለት ነቶም ንነዊሕ እዋን ብሞራል፡ ብሓሳብ፡ ብገንዘብ ኮታስ ብኹሉ ዝኽእሉዎ ዘበለ ነገር፡ ኩለንትናዊ ሓገዝ ካብ ምግባር ዘይበዀሩ ኣብ ማእገሮም ሓንጊሮም መጽሓፍካ ናብ ምሕታም ንዘብቅዑኻ ሰባት፡ ውዕለታኦም ብምስጋናኻ እትገልጸሉ፡ ንሳቶም ድማ ፍረ-ጻዕሮም ብግብሪ ዝርእዩሉን ሓጐሶም ዝገልጹሉን ኣጋጣሚ እዩ። ስለዚ ዓቐኑ ብዝሓለወ ኣገባብ እንተ ጸንበልናዮ ጽቡቕ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ግጥሚ ንኣኻ እንታይ እዩ፧
ካብቲ ኣብ ግጥሚ ዘሎኒ ተገዳስነትን ንሱ ዝፈጥረለይ ስምዒትን ተበጊሰ ኽዛረብ እንተ ኾይነ ግጥሚ ማለት ስጋውን መንፈሳውን ሓይለይ ምስ ተዋሃሃዱ ዝውለድ ጥበብ እዩ። ግጥሚ፡ ኣብ ነገራት ዘሎኒ ስምዒት፡ ትዕዝብቲ፡ ርድኢት፡ ተምሳጥን ኣድንቖትን ዝገልጸሉ ከምኡ’ውን እቲ ውሽጠይ ዝፈጠሮ ደሃይ ዝደግመሉ ሓቂ እዩ።
ሓደ ገጣሚ ‘ጽቡቕ’ ግጥሚ ክጽሕፍ እንተ ኾይኑ እንታይ እንታይ ከማልእ ኣሎዎ ትብል፧
መጀመርታ፡ ናይ ግጥሚ ተውህቦ ክህልወካ ኣሎዎ። ተውህቦ፡ ብትምህርቲ ኮነ ብተመክሮ እተምጽኦ ነገር ኣይኮነን። ተውህቦ፡ እቲ ኣብ ውሽጥኻ ኮይኑ ንኽትገጥምን ንኽትጽሕፍን ዘለዓዕለካ ወይ ዝጽውዓካ ሓይሊ ጥበብ እዩ። ተውህቦ እንተሎካ ንኣምራት ግጥሚ ከይፈለጥካ’ውን ጽቡቕ ግጥሚ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ንተውህቦኻ ትምህርቲ እንተ ወሲኽካሉ ኸኣ ዝበለጸ ይኸውን። እቶም ጽቡቕ ግጥሚ ክትጽሕፍ ዘኽእሉኻ ሜላታት እንተ ፈሊጥካ "ንሽሮ ጠስሚ ወረሮ" ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
ናይ ዝኾነ ግጥሚ ሓቅነት፡ ሞራላዊ ጐንን ማሕበራዊ ኣገዳስነትን ጽቡቕ ገይሩ ክርድኣካ ምእንቲ፡ ነቶም ጽቡቕ ግጥሚ ንኽትጽሕፍ ዝሕግዙኻ ናይ ግጥሚ ረቛሒታት ጽቡቕ ጌርካ ክትፈልጦም ኣሎካ። ዋላ’ኳ ግጥሚ ብዙሕ መለክዒታት እንተሎዎ ናዕታ፡ ረምታ፡ ብራኸ ሓሳባት ወይ ስምዒት ተደሚሩዎ ጥራይ ማለት ግን ምሉእ ግጥሚ ኮይኑ ማለት ኣይኮነን። ኣርእስቲ፡ ኩርናዕ ርእየት፡ ኣጠቓቕማን ኣሰዃኹዓን ቃላት፡ ዕምቈት ኣገላልጻ፡ ቴማ፡ ምሕላው መንጽረ-ዛንታ (ስሩዕነት ወይ ኣካል)፡ ስእላዊ ቋንቋ፡ ትልሚ፡ ምድግጋም ቃላትን ሓረጋትን፡ ኣናብባ ወዘተ ዝብሃሉ ረቛሒታትን መለክዒታትን’ውን ክርስዑ የብሎምን። ከምቲ ሲሞንዲስ ዝበሎ፤ "ግጥሚ ማለት ብቓላት ጌርካ ስእሊ ወይ ቅብኣ ምፍጣር፡" ማለት እዩ። ግጥሚ፡ ቃላትን ሓሳባትን ኣብ ኣእምሮኻ ብዝፈጥሩልካ ምስልን ስእልን ዝዛረብ ፈጠራዊ ስነ-ጽሑፍ እዩ። ስለዚ ሓደ ግጥሚ፡ ካብቲ ግጥሚ እዩ ዘብሎ ረቛሒታት ወይ ካብቲ ምስ ግጥሚ ዘመድቦ ነጥብታት ምስ ዝጐድሎ፡ ልክዕ ከምቲ ዝተፈላለየ ቀመማት ዝኣተዎ’ሞ መቐረት ዝፈጥረሉ ጨው ዝተረስዖ ጸብሒ ማለት እዩ፡፡
እዞም ኩሎም ረቛሒታት’ዚኦም ተጸፋጺፎም ኣብ ሓደ ግጥሚ ክኣትው ኣሎዎም ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብታ ግጥሚ ክኣቱ ዝግብኦ ባእታ ኣብ ልክዕ ቦታኡ ክኣቱ ኣሎዎ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ክንዲ ምንታይ ተሰማዕን ተነባብን እዩ ብዘየገድስ እዞም መለክዒታት’ዚኦም ኣብቲ ክኣትውሉ ዝግብኦም ክፋል ግጥሚ ክኣትዉ እንተ ዘይክኢሎም እቲ ግጥሚ’ቲ ጐደሎ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ጽቡቕ ግጥሚ ንምጽሓፍ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክትመሃር ናይ ግድን ኣይኮነን። ዝተፈላለዩ መወከሲታት ኮነ ናይ ግጥሚ መጻሕፍቲ ምንባብ፡ ምስ ንፉዓትን ሰብ ተመክሮን ገጠምቲ ቀጻሊ ምዕላልን ሓሳብ ምልውዋጥን፡ ሃነጽቲ ሓሳብ ኣብ እትረኽበሎምን ንዕብየትካ ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑን መድረኻት ምስታፍ፡ ንዝወሃቡኻ ነቐፌታታት ከይፈራሕካ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣበርክቶኻ ምዕዛዝ ገለ ኻብ’ቶም ክትገብሮም ዘሎካ ነገራት እዮም። ልዕሊ ኩሉ ግን መጻሕፍቲ ኸተንብብ ኣሎካ። ዘይተንብብ እንተ ዄንካ ኽትጽሕፍ ዘኽእል ሞራልን ሓይልን የብልካን።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንመን ትከታተል፧
ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ሓደ ካብቲ ማሕበራዊ ርክባትና እነዳብረሉ መድረኽ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ነገር'ኳ እንተ ዘይበልኩ ንመብዛሕትኡ ዝወጽእ ሓበሬታታት እከታተሎ እየ። እዚ ኽብለካ ንኹሉ ዝከታተሎ ዘበለ እስዕቦ እየ ወይ ስቕ ኢለ እቕበሎ እየ ማለት ኣይኮነን። ነቶም ህይወት ዝቕይር እወታዊ ኣተሓሳስባ ዘሎዎም፡ ንዕብየተይን ኣፍልጦይን ሓገዝቲ ዝኾኑ፡ ብዙሕ ትምህርትን ጥበብን ዝምህሩኒ ዓበይትን ንኣሽቱን ሰባት እየ ዝስዕቦም።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ስነ-ጥበብ ብሓፈሻ፡ ኣብ ግጥሚ ድማ ብፍላይ፡ ብዙሓት ገጠምትን ግጥምታትን ይርኣዩ ኣለው። ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብል፧
ኣብ ብዝሒ ዘይኮነ ኣብ ዓይነት ጸቒጥና ክንዛረብ ኣሎና። በዚ መገዲ’ዚ ክርእዮ ከለኹ ድማ ናይ ጥበባዊ ስራሓትና ብቕዓት ዘንቈልቊል ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ። እቲ ጠንቅታት ድማ ኸም ዝመስለኒ ዘንጨብጭብ ሰብ ምብዛሑ፣ ብቕኑዕ ስነ-ጥበባዊ ርድኢትን ስምዒትን ዝነቅፍ ሰብ ምውሓዱ፣ ዓቕምኻ ዘይምፍላጥ ዝመንቀሊኡ "ካብ እከለዶ ከይሓምቕ!" እናበልካ ዝስራሕ ስራሕ ምብዛሑ፣ ሓሳብ ዘይምልውዋጥን ዘይምትሕግጋዝን ኣብ ስነ-ጥበበኛታት ምስዕራሩ። እዚ፡ ነቶም ውሑዳት ጽቡቕ ስራሕ ዘቕርቡ ዘለዉ ገዲፍካ ማለት እዩ።
