7 ሕቶታት ንደረስትና - ዕቝባገብርኤል ጴጥሮስ
ዕቚባገብርኤል ጴጥሮስ፡ ሓይሊ ራእይ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ኣሕተምቲ ደርማስ ዘሕተመ፡ ኣብ ፍልስፍናን ታሪኽን ኣተኲሩ ዝጽሕፍ ደራሲ እዩ።
ኣብ ንእስነትካ እትፈትወን ዝነበርካ መጻሕፍቲ ኣየኖት እየን፧
ኣብ ግዜ ንእስነተይ ኣዝየ ዝፈትወን ዝነበርኩ መጻሕፍቲ ክልተ እየን። እታ ቀዳመይቲ፡ እግዚኣብሔር ንንኣሽቱ ይዛረብ ዘርእስታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብፍሉይ ንሕጻናት ኢላ ዘዳለወታ ቀያሕ መጽሓፍ እያ። ምንባብ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን ተሓቲማ ብናጻ ኣብ ኢደይ ስለ ዝኣተወት ኣንቢበ እመንዋ ኣይነበርኩን። ግደ ሓቂ'ውን ኣይትምኖን እያ፣ ምኽንያቱ፡ ንሕጻናት ብዝምስጥ ጽውጽዋያዊ ኣገባብ እያ ተጻሒፋ ቀሪባ ነይራ። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ታሪኽ ካብ ሀ ክሳዕ ፐ ብሓጺርን ዘየሰልክን ኣገባብ እያ እትገልጸልካ። ስለዚ ኣብ ውሽጠይ ዘይሃስስ ዝኽሪ እያ ገዲፋትለይ።
እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ብሙሳ ኣሮን ዝተተርጐመት ሮቢንሶን ክሩሶ ዘርእስታ መጽሓፍ ኮይና ኣብ ገዛና ምስ ናይ ኣቦይ እኩብ መጻሕፍቲ ከርተት ክትብል እየ ረኺበያ። ምስ ኣንበብኩዋ ግን ዳርጋ ክሳዕ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርተይ ዝዛዝም ካብ ማህደረይ ኣይትንቀሳቐስን እያ ነይራ። ልክዕ ከም 'ሃገራዊ መዝሙር' ሸምዲደያ ነይረ። ናብ ንባብ ልብወለድ’ውን ብኣ እየ ተጸንቢረ።
ንህይወትካ ዝቐየራ መጻሕፍቲ ኣየኖት እየን፧
ንህይወተይ ዝቐየራ መጻሕፍቲ እታ ብኦስታይን ጎርደር ተጻሒፋ ኣብ 2006 ብተኪኤ በየነ ተተርጒማ ዝቐረበት ሶፍያ፡ ኣብ 2018 ብሃብተማርያም ተኽለሃይማኖት ዝተጻሕፈት ፍኖተ ንቕሓት ከምኡ’ውን እዛ ሕጂ ተርጒመ ኣሕቲመያ ዘለኹ The Principles and Power of Vision እየን። ሶፍያ፡ ንኣመለኻኽታይ ዳግመ-ግምት ክገብረሉን ንህይወት ብዝተፈልየ ኲርናዕ ክጥምትን ሓጊዛትኒ እያ። ንናይ ፍልስፍና ትምህርተይ’ውን ብዙሕ ኣቃሊላትለይ እያ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ናይ ምንባብ ልምደይ ከዕቢ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይራትለይ እያ። ፍኖተ ንቕሓት፡ ካብ ታሪኽ ክመሃርን ንሕጂ ብምሉእ ሓይለይ ክነብራን ከም ዘሎኒ ዘፍለጠትኒ መጽሓፍ እያ። ኣብኣ ዝረኸብኩዎም ሓቀኛ ዛንታታት ምስ መግለጺታቶም ተሳንዮም ብምእታዎም ነታ መጽሓፍ መሳጢ ከም እትኸውን ገይሩዋ እዩ። ንምስራቓዊ ፍልስፍና ዓይነይ ከፊተ ክምርምሮ ከም ዘሎኒ ድማ ኣአንፊታትለይ እያ። ብሓጺሩ ጥማር መጻሕፍቲ ኮይና እያ ትስምዓኒ። The Principles and Power of Vision፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኸለኹ እየ ኣንቢበያ። ነቲ ዝነበረኒ ገበታ ግዜ ብውሕሉል ኣገባብ ክጥቀመሉ ከም ዘሎኒ እያ ድማ ኣዘኻኺራትኒ። መደባተይ ዳግመ-ግምት ገይረ ንኽሰርዕን ምስ ፈጣሪየይ ዘሎኒ ርክብ ንጡፍ ንኽገብሮን ሓጊዛትኒ እያ። ዋላ’ኳ ካብ ነዊሕ ኣትሒዘ ሓደ መዓልቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ ኣሎኒ ዝብል ዕላማ እንተ ነበረኒ ብትርጒም ክጅምር ግን ሓሲበ ኣይፈልጥን ነይረ። ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ ግን ብዛዕባ ዕላማ ሰፊሕ መብርሂ ስለ ዝወሰኸትኒ ንዕላማይ ንኣ ብምትርጓም ከም ዝጅምሮ እያ ገይራትኒ።
ደጋጊምካ ዘንበብካያ መጽሓፍ ኣየነይቲ እያ፧
ደጋጊመ ዘንበብኩዋ መጽሓፍ፡ ሶፍያ እያ፣ ምኽንያቱ፡ ሶፍያ ይትረፍዶ ሓንቲ ግዜ ኣንቢብካያ ዓሰርተ ግዜ ደጋጊምካያ’ውን ብኣጋኡ ትስወጠካ መጽሓፍ ኣይኮነትን።
ጸሓፋይ ንኽትከውን ዝደረኹኻ መጻሕፍቲ ወይ ጸሓፍቲ ኣለዉዶ፧
ዋላ'ኳ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣፈይ መሊአ ጸሓፋይ እየ ክብል እንተ ዘይደፈርኩ ብቚዕ ጸሓፋይ ናይ ምዃን ምሒር ድልየት ከሕድር ዝደረኹኒ ጸሓፍትን መጻሕፍቶምን ግን ምስጋናይ ኣሰንየ ክጠቕሶም ደስ እብለኒ። ንግሪኻዊ ሆመር (ጸሓፊ Illiad ከምኡ’ውን The Odyssey) ከምኡ’ውን እንግሊዛዊ ዊልያም ሸክስፕየር ከም ኣርማ ስነ-ጽሑፍ እየ ዝርእዮም። ጽሑፋቶም ክንዮ ተራ ልብወለድን ግጥምታትን ህያዋን ኮይኖም እዮም ንዘመናት ዝነብሩ ዘለዉ። አረ ኣብዚ ግዜ’ዚስ ጽሑፋቶም ንብዙሓት ሰባት ሓቀኛ ዛንታ’ምበር ናይ ኣእምሮኦም ፈጠራ ኣይኮነን ናብ ዝብል መደምደምታ እዩ ኣብጺሑዎም ዘሎ። ኣድማሳውያን ጸሓፍቲ እዮም፣ ኣድማሳዊ ጸሓፋይ ንምዃን ክጽዕር ከም ዘሎኒ ድማ እዮም ምሂሮምኒ። ሓፍ ከይበሉ … ደኣ ከይመስል’ምበር ናተይ መርኣያ ወይ ኣብነት ንሳቶም እዮም።
ዋላ'ኳ ካብ ዘይፈልጦ ነዊሕ እንተ ዘይገበርኩ ዶር/ ማይልስ መንሮ’ውን ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ህይወተይ ዓቢ ጽልዋ ዘንበረ ጸሓፍቲ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎዎ ኣረዳድኣ ኣዝዩ እዩ ዝምስጠኒ፣ ኩሎም መጻሕፍቱ ድማ ናተይ ኣርኣያ እዮም። ከም ናቱ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ተጠቂመ ዝጽሕፋ መጽሓፍ ክትህልወኒ'ውን ሃረር እብል። ንኤርትራዊ ጸሓፊ ኣቶ በየነ ሃይለ’ውን ኣዝየ እየ ዘድንቖ። ብሓቂ ብጽሑፋቱ ጥራይ ዓርከቦይ ኮይኑ እዩ ዝስማዓኒ፣ ምኽንያቱ፡ ንሱ ዘይከም ናይ ሎሚ ኣጠቓቕማ ቋንቋ፡ ገፈል ዘይብሉ ምዕሩይ ትግርኛ እዩ ዝጥቀም። ዋላ'ኳ ጽሑፋቱ ልብወለድ ዝመስሉ እንተ ኾኑ ዘሕልፉዎ መልእኽትን ዝህቡዎ ትምህርትን ግና ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ኣዝዩ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ብሓፈሻ ከኣ ዝጥቀመሎም ቃላት ይኹኑ ዋሕዚ ሓሳባቱ ኣዝዩ እዩ ዘደንቐኒ።
ኣብ መስርሕ ምትርጓም እቲ ዝኸበደ መድረኽ ኣየናይ እዩ ትብል፧
ኣብ መስርሕ ምትርጓም እቲ ዝኸበደ መድረኽ፡ ትርጉም ቃላት ምፍላጥ ዘይኮነ ነቲ እትትርጉሞ ዘለኻ ምሉእ ሓሳባት ብሓቀኛ ኣገላልጻ ንኽትገልጾ እንታይ ዓይነት ኣበሃህላ ክትጥቀም ከም ዘሎካ ምፍላጥ እዩ። ነቲ ብኻልእ ባህልን ስነ-ሓሳብን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ፡ ናብ ናይ ኣንባቢ ባህልን ኣተሓሳስባን ቀዪርካ ክትጽሕፎ ዘሎ ሃልኪ ብዙሕ እዩ። ንስምዒትን መልእኽትን ናይ ደራሲ ምሕላው ንባዕሉ ናጽነት ዝህብ ኣይኮነን። ልዕሊ ኹሉ ግን ንኣንባቢ ብቐሊሉ ክርድኡዎ ዝኽእሉ ቃላት ምንዳይን ምሉእ ሓሳባት ሰሪዕካ ምጽሓፍን ኣዝዩ ከቢድን ምልከት ዝሓትትን ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ።
ኣውራ እትጽሕፈሉ እዋን ናይ መዓልቲ መኣስ እዩ፧
ክጽሕፈሉ ኣውራ ደስ ዝብለኒ እዋን፡ ናይ ንግሆ (ካብ ሰዓት 6 ቅ. ቐ - 10 ቅ. ቐ) ከምኡ’ውን ናይ ምሸት (ካብ ሰዓት 9፡30 ድ. ቐ - ፍርቂ ለይቲ) እዩ። ብፍላይ ምሸት ደስ እዩ ዝብለኒ፣ ምኽንያቱ፡ ሽዑ ዝርከብ ጽምዋ ኣእምሮይ ከይተሰረቕኩ ምሉእ ኣድህቦይ ኣብ መጽሓፈይ ንኽገብር ይሕግዘኒ እዩ።
ካብ መጻሕፍቲ ኻብ ዝረኸብካየን ምኽርታት እተን ዝበለጻ ኣየኖት እየን፧
ግደ ሓቂ ኩሉ ካብ መጻሕፍቲ ዝቐሰምኩዎ ምኽርታት ሓንቲ'ውን ትኹን ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ የብሉን። እንተኾነ ግን፡ ሰለስተ ዝበለጻ ዝበልኩወን ሓሳባት ክገልጽ ደስ እብለኒ። እታ ቐዳመይቲ ኣብዛ 'ሓይሊ ራእይ' ዘርእስታ ናይ ዶር/ ማይልስ መንሮ መጽሓፍ እትርከብ እያ፤ “ናብ ዓለም ዝመጻእኩ፡ ካልእ ሰብ ሰሪሑዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ነገር ንኽገብር፡ ብኡ ድማ ንዓለም ታሪኽ ክገድፈላን ምስ ሞትኩ'ውን እንተ ኾነ ስመይ ሓወልቲ ኾይኑ ንወለዶታት ንኽጸንሕን እዩ። ነዚ ንኽገብር ከኣ ንራእየይ ምልኣት ክህቦ ኽጽዕር ኣሎኒ።”
እታ ኻልኣይቲ፡ ካብ ፓውሎ ኮልዮ ዝረኸብኩዋ ልቦና እያ፤ “ንስቓይ ምፍራሕ ካብ ስቓይ ከም ዝብእስ ንልብኻ ንገሮ። ብድሕሪኡ ዝኾነት ልቢ ሕልማ ንምጭባጥ ኣብ እትወፍረሉ እዋን ፍጹም ኣይክትሳቐን እያ፣ ምኽንያቱ፡ ነፍስወከፍ ሕልምኻ ክትደሊ እተጥፍኣ ካልኢት ምስ ኣምላኽን ምስ ዘለዓለማውነትን እትራኸበሉ ግዜ ክኸውን እዩ።”
እታ ሳልሰይቲ ድማ ኻብ ራታን ታታ ዝረኸብኩዋ ልቦና እያ፤ “ውሳነ ቕድሚ ምውሳድካ ሕሰብ፣ ብድሕሪኡ ሓንሳእ ምስ ወሰንካ ውሳነኻ ቅኑዕ ንክኸውን ደኣ ጸዓር’ምበር ብውሳነኻ ፈጺምካ ኣይትጠዓስ።”
