7 ሕቶታት ንደረስትና - ኣሃዱ ደስታኣለም
ኣሃዱ ደስታኣለም፡ ‘ሃሪ ፖተር፥ እታ እምነ-ተኣምራት’፣ ‘ትርጒም ምንባር’፣ ‘ተፈታውን ተሰማዕን ንምዃን’ ከምኡ’ውን ‘ኣቶማዊ ልምድታት’ ዘርእስተን ኣርባዕተ ናይ ትርጕም መጻሕፍቲ ኣብ ኣሕተምቲ ደርማስ ዘሕተመ ጸሓፋይ እዩ።
ካብ መጻሕፍትኻ ትፈትዋ መጽሓፍ ኣየነይቲ እያ፧ ንኣ ንኽትጽሕፍ ወይ ንኽትትርጒም ዝደረኸካ እንታይ እዩ፧
ካብ’ዘን ተርጒመየን ዘለኹ መጻሕፍቲ እታ ብዘይ ተቓጻጺ ዝፈትዋ ሃሪ ፖተር፥ እታ እምነ-ተኣምራት እያ። ንኣ ዝፈትወሉ ምኽንያታት ብዙሕ እዩ። ሓደ፤ ንንእስነተይ ባሪኻቶ እያ። ክልተ፤ ንስራያዊ ሓይሊ ስነ-ጽሑፍ ኣዒንተይ ዝኸፈተትለይ ንሳ እያ። ሰለስተ፤ ንኣ ምትርጓም፡ ካብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ጀሚረ ዝጸዓርኩሉ ስለ ዝነበረ ዳርጋ ኣካል ህይወተይ እያ። ንኣ ኽትርጒም ዝደረኸኒ ምኽንያት ከኣ እቲ ላብ ዓለም ሃሪ ፖተር ዝረኸብኩዎ ተመስጦን ናይ ምንባብ ልምድን ምስ ሕብረተሰበይ ክካፈሎ ስለ ዝደለኹ እዩ።
ምስ ዝኾነ ብህይወት ዘሎ ይኹን ዘየሎ ጸሓፋይ ከተዕልል ዕድል እንተ ትረክብ ምስ መን መዕለልካ፧ ብዛዕባ እንታይከ መዕለልኩም፧
ኣብ ኤርትራ ኸለኹ ኣብ ምርኢት መጻሕፍቲ 2016 ሒዘያ ዝነበርኩ ሰፈር ምስ ናይ ኣቶ ተኪአ ተስፋይ ዳርጋ ጥቓ ንጥቓ እያ ነይራ። ከይደ ኸዕልሎ ብዙሕ ግዜ እየ ተወላዊለ፣ ግን ብሰንኪ ሕፍረት ጠጠሚተዮ ጥራይ እሓልፍ ነይረ። ልዕሊ ዝኾነ ጸሓፋይ ምስኡ ኸዕልል እየ ዝደሊ። ኣቦ ትርጒም መጻሕፍቲ ኤርትራ ንሱ እዩ ኽብል እየ ዝደፍር፣ ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዝገበሮ ኣበርክቶ ካልኣይ የብሉን። ስለዚ ምስ ኣቶ ተኪአ ብዛዕባ ኣተራጒማኡን ናይ ቋንቋ ትግርኛ ኽእለቱን ከዕልል ምደለኹ። ምሉእ መዓልቲ “መስተጻምር፡ ግሲ፡ ምርዓም …” ክብል ምወዓልኩ።
ኣብ ስነ-ጽሑፍ ካብ ዝረኸብካየን ምኽርታት እታ ዝበለጸት ኣየነይቲ እያ፧
ብዛዕባ’ቲ ኣብ መስርሕ ምትርጓም ሃሪ ፖተር፥ እታ እምነ-ተኣምራት ዝነበረ ናይ ኣርትዖት መድረኽ ንብዙሓት ዝፈልጦም ሰባት ኣዕሊለ እየ። ዋላ’ኳ ሽዑ ዝተወሃብኩዎ ምኽርታት ብዙሕ እንተ ነበረ እታ ሓንትን ዘይርስዓን ምኽሪ ብኣፍ ዘይኮነት ብግብሪ እያ ነይራ። ሃሪ ፖተር፥ እታ እምነ-ተኣምራት ገጣማይን ጸሓፋይን ኤፍረም ሃብተጽዮን (ወድ ገደ) እዩ ኣርቲዑዋ። እቲ ዘይተሓትመ ቕዳሕ ንመጀመርታ ግዜ ሒዘሉ ምስ ከድኩ ነቲ ወረቓቕቲ ብቐይሕ ቢሮ ለቕሊቑ እዩ ሂቡኒ። ነቲ ጸገማት ኣሪመ ኻልኣይ ግዜ ምስ ተመለስኩ’ውን ከምኡ ቐይሕ መሊኡ ሂቡኒ። ኣብ ሳልሳይ ፈተነ ግን ዝሓሸ ቕዳሕ ከቕርብ ክኢለ። ካብዚ ፍጻመታት’ዚ ዝተረዳእኩዎ እንተ ነይሩ ሓንቲ መጽሓፍ ምትዕርራይ ከም ዘይተቋርጽ እያ። ድሕሪ ሕትመት ከይተረፈ ኻልኣይ ሳልሳይ ሕታም እናበልካ ምትዕርራይ ክቕጽል ኣሎዎ።
ኣውራ ትጽሕፈሉ እዋን ናይ መዓልቲ መኣስ እዩ፧
ዝበዝሕ ግዜ ወጋሕታ ወይ’ውን ንግሆ ቕድሚ ናይ ቊርሲ ሰዓታት። ዝሓሸ ጸጥታን ዝሓሸ ጸዓትን ዝረኽበሉ እዋን ሽዑ እዩ።
ኣብ ትርፊ ግዜኻ ትገብሮም ንጥፈታት ኣየኖት እዮም፧
ምንባብ (ብፍላይ ከኣ ልብወለድ) ገዲፍና፡ ፊልምታት ምዕዛብ ኣመና እየ ዝፈቱ። ፊልም ከይረኣኹ እትሓልፈላ ሰሙን የላን።
ክትጽሕፍ ከለኻ ሙዚቃ ትሰምዕዶ፧
እወ። ብዘይ ሙዚቃ ዝሰርሓሉ እዋናት ዳርጋ የሎን። ሕደማ ዘሎዎ ሙዚቃ እንተ ኾይኑ ሓሳባተይ ስለ ዝስረቕ መሳርያዊ ሙዚቃ ጥራይ እየ ዝሰምዕ። እቲ ሙዚቃ ኣዝዩ ዝሑል እንተ ኾይኑ ናብ ምስልካይ ገጹ ስለ ዝወስደኒ ግን ንናይ ኣክሽን ወይ ኣድቬንቸር ፊልምታት ተባሂሉ ዝስራሕ መሰነይታ ሙዚቃ እየ ዘዘውትር።
ንህይወትካ ዝቐየራ መጻሕፍቲ ኣየኖት እየን፧
ንህይወተይ ዝቐየራ መጻሕፍቲ ብዙሓት እየን። እተን ኣቐዲመ ዝጠቐስኩወን ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ሃሪ ፖተር ከምኡ’ውን እዘን ተርጒመየን ዘለኹ መጻሕፍቲ ገለ ኻብኣተን እየን። ብዘይካአን ግን Rich Dad Poor Dad (ዮናታን ብርሃነ ወዲ ሃብታምን ወዲ ድኻን ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ ዝተርጐማ) ኣብ ገንዘብ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ብፍጹም ለዊጣቶ እያ። ናይ ጆርጅ ኦርወል መጻሕፍቲ ኸኣ ንፖሊቲካዊ ኣረኣእያይ ቀይሩዎ እዩ።
