7 ሕቶታት ንደረስትና - ፍጹምብርሃን ዘርእስላሴ
ፍጹምብርሃን ዘርእስላሴ፡ ኣብ ኣክራ ዝተረኽበ ብራና ዘርእስታ ናይ ፓውሎ ኮልዮ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ተርጒሙ ኣብ ኣሕተምቲ ደርማስ ዘሕተመ ጸሓፋይ እዩ።
ኣብ ትርፊ ግዜኻ እትገብሮም ንጥፈታት ኣየኖት እዮም፧
ኣብ ትርፊ ግዜይ፡ ይጠቕሙኒ እዮም ዝበልኩዎም፡ ንዝተፈላለየ ዛዕባታት ዝምልከቱ ቪድዮታትን ጽሑፋት እከታተል እየ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ኣብ ታሪኽ ዘተኰሩ ሰነዳዊ ፊልምታት፡ ተራ ፊልምታትን ተኸታተልቲ ፊልምታትን እከታተል እየ። ዕድል ኣብ ዝረኽበሉ ኸኣ ምስ ፈለጥተይ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ነገራት ናጻ ኮይነ ከዕልል ደስ ይብለኒ እዩ። እንተ ተረኺቡ’ውን ኣብ ህዱእ ቦታ ኮፍ ኢልካ ንፋስ ተፈጥሮ ምስ ድምቕቲ ወርሒ ምስትምቓር’ውን ዝመስሎ የሎን።
ምስ ዝኾነ ብህይወት ዘሎ ይኹን ዘየሎ ጸሓፋይ ከተዕልል ዕድል እንተ ትረክብ ምስ መን መዕለልካ፧ ብዛዕባ እንታይከ መዕለልኩም፧
ኣብ ኲትትናይ፡ ‘ዓቢዱዶ ትብሉዎ?’ ዘርእስታ ናይ በየነ ሃይለ መጽሓፍ ክልተ ግዜ ኣንቢበያ ነይረ። ሕጂ ኸዕልሎ እንተ ዝኽእል ከኣ ብዛዕባ’ቲ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ናይታ መጽሓፍ’ቲኣ ዝኾነ መዝገበ ኣማኑኤል ብዙሕ ሕቶታት ምሓተትኩዎ ነይረ። “ስለምንታይ ምስዚ ኹሉ ትዕግስቱ፡ ኣብ ሓጐስ በጺሑ ኣብ ጽምጽም ወጺኡ ክሳዕ ሞት ተባኢሱ፧ ስለምንታይከ ንዛይድ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበሮ ፍቕሪ ጽምም ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝነግራ ብረቂቕን ጥበባውን መገዲ ጥራይ ጠቒሱዎ ክሳቐ መሪጹ፧ መጽሓፍካ ንሓደ ኰተቴ ብዛዕባ እትፈጥረሉ ጽልዋ እንታይ ግምት ኣሎካ፧” እናበልኩ ምሓተትኩዎ።
ንሓደ ኽፋል ናይ ስራሕካ ምስ ዛዘምካ ትጽንብልዶ፧ ብኸመይ፧
ህይወት ከም ነዊሕ ጒዕዞ እያ፣ ስለዚ ኣብ መንጐ ዕረፍቲ የድሊ እዩ። ስለዚ ንኽትንጽብል ኢልካ ንነዊሕ እዋን ኣብ ክንዲ ምጽባይ፡ ስሕት ኢልካ እና’ዕረፍካ ንገዛእ ርእስኻ፤ “እዚ ዝገበርካዮ ቀሊል ኣይኮነን፣ ካብቲ ዝነበርካዮ፡ ንእሽቶይ ለውጢ ስለ ዝገበርካ ከተዕርፍን ክትዘናጋዕን ይግባኣካ እዩ።” ኢልካ ንነብስኻ ምዝኽኻር ጽቡቕ እዩ። ብዝተፈላለየ መገዲ እየ ዝጽንብል። ሓደ ኻብኡ ምስ ካብ ዘይረኽቦ ነዊሕ ዝገበርኩ ፈታውየይ ተራኺብካ ደሃይ ምልውዋጥ እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንመን ትከታተል፧
ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘሎ ብብዝሕን ዓይነትን ብርኩት ዝኾነ መጠን ሓበሬታ ኣየናይ ትመርጽ ቁሩብ የሸግር እዩ። የግዳስ ንውልቃዊ ህይወተይ ይኹን ንስራሐይ ኢለ ምስ ሕብረተ-ሰብን ታሪኽን ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ እከታተል እየ። ህይወት ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ብዛዕባ ቃልስን ውድድርን ምዃና ክርስዓሉ ኣብ ዝጅምር ከኣ ንድሕሪት ተመሊሰ ብዛዕባ ኣብ ዘመነ ሴፍን ጉራደን ዝነበረ ጥምጥም ግዝኣታትን ንግስነታትን ስሕት ኢለ እከታተል እየ። ብሓፈሻ ግን እቲ ትሕዝቶ፡ ንህሉው ክውንነት ብመንጽር ሕሉፍ፡ ንመጻኢ ዝግምት ክኸውን ከሎ እዩ ዝያዳ ዝስሕበኒ።
ኣብ ንእስነትካ እትፈትዋ ዝነበርካ መጽሓፍ እንታይ እያ፧
ኣብ ንእስነተይ ዝፈትዋ ዝነበርኩ መጽሓፍ ደራሲኣ ኣይዝክሮን እየ፣ ኣርእስታ ግን እንሆ ወግዒ እዩ። ትሕዝቶኣ ኣብ ዝኾነ ዕድመ ኴንካ ክንበብ ዝከኣል ዘስሕቕ ጽውጽዋያትን ዝርርባትን ዝሓዘ እዩ። ሳላኣ፡ ምስ ሰብ ኣብ ከዕልል ከለኹ ዝጥቀመሉ መሐወሲ መስሓቕ ዕላላት ስኢነ ኣይፈልጥን።
ኣብ መስርሕ ምትርጓም፡ እቲ ዝኸበደ መድረኽ ኣየናይ እዩ ትብል፧
እቲ ዝኸበደ መድረኽ፡ ምጅማር እዩ፣ ክትዛነ ምስ ጀመርካ ስንኻ ነኺስካ ከም እትቕጽል ዝገብረካ መኻልፍ ወይ ትህኪት’ውን ኣሎ። ንኡ ክትስዕሮ ዋጋን ሃልኪን ይሓትት እዩ። ካብ ንእሽቶ ተመክሮይ ተበጊሰ ኽዛረብ ግን እቲ ዝኸበደ እዋን፡ ክትውድእ ምስ ቀረብካ ዘሎ ምጥርጣርን ብሰንኪ ምዝናይ ስራሕካ ንኽትወንዝፍ ዘጋጥም ፈተናታትን ዘጋጥመሉ እዋናት እዩ።
ምጽሓፍ ንኣኻ እንታይ እዩ፧
ምትርጓም ንዓቕልኻ ዝፈታትን ስራሕ እዩ። እምብዛ ኣህላኺ ብምዃኑ’ውን ከተቋርጽ እትደናደነሉ እዋናት ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ ትጽቢትካ፡ እቲ ትሰርሓሉ ዘለኻ ዕላማን ኣብ ጀሚርካ ምውዳእ ዘሎ ሞራልን ተደማሚሩ ኽትቅጽል የኽእለካ እዩ።
